ናብ ጽጋም ምጥዋይ፣ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ጸጋማይ ጫፍ ማእከላይ መስመር ተጸጊዕካ ክትጥወ ፈትን። ግበር። ኣብ ቅድመካ ዝመጻ ትራፊክ ከይትዓግት ግን ትጠንቀቕ።ንየማን ምጥዋይ፣ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ጥቓ ወሰን ናይቲ የማን ጽርግያ።
ካብ ሓደ ኣንፈት ጽርግያ ክትወጽእ ከለካ ቅልል ዝበለ ኣቃልቦ ትራፊክ ዩ ። ስለዚ ብፊትካ ዝመጸካ ትራፊክ ስለዘየለ። ንጸጋማይ ምጥዋይ፦ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ጸጋማይ ጫፍ ናይቲ ኮርባናን ተጸጊዕካ ትጥወ።ንየማን ምጥዋይ: ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ጥቓ ወሰን ናይቲ የማን ጽርግያ ትጸጊዕካ ትጥወ።
ሓባራዊ መስመራት (መስመር ኣውቶቡስ) እቶም ናይ ሓባር መስመራት እተን ኣውቶቡሳት ኣብ ሪጋ ከይተዓንቀፋን በዚ ድማ ንኽይድንጉያን ዝዓለመ እዩ። ብዘይካ ኣብ መደብ ትራፊክ ዝርከባ ኣውቶቡሳት፡ እዘን ዝስዕባ ተሽከርከርቲ መስመራት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀማ ይኽእላ እየን፡ ንኣብነት፣ታክሲ፣ ብሽክለታ፣ ሞፔድ ክላስ II ፣ ካልኦት ተሽከርከርቲ ነቲ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ መስመር ክጥቀማ እንተተፈቒዱለን እዚ ኣብ ተወሳኺ ሰሌዳ ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት፡ እቲ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ መስመር ኣብ ጽዑቕ ሰዓት ንግሆን ድሕሪ ቀትርን ጥራይ እዩ ተሓዚኡ። ናይ ሓባር መስመራት ብናይ ጽርግያ ምልክት ዝተኸልከለ መስመር ወይ መስመር ንተሽከርከርቲ ኣብ መደብ ትራፊክ ወዘተ ምልክት ይግበር።ብተወሳኺ BUSS ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ናይ ጽርግያ ምልክት ክህሉ ይኽእል።
‘’ ኣብ ትራፊክ መሰል ዝብሃል የለን ግዴታካ ጥራይ ዩ’’ ብመሰረት ትራፊክ ኣብ ናይ ኩሉ ምጥዋይ ሕግታት ኣብ ትራፊክ መሰል ዘለዎ ሰብ የለን፣ ግን እቲ እንኮ ናይ ሓባር ግዴታታት ምግባር ጥራይ ዩ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኩነታት ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣሎ፤ ንኣብነት “ ኣነ ቀዳምነት ኣለኒ፡ ምኽንያቱ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ እየ ዝዝውር ዘለኹ።”ኣብ ትራፊክ ንሓደ ነገር ክትከናኸን መሰል ኣለኒ ኢልካ ምሕሳብ ሓደገኛ እዩ።“እተን ካልኦት መካይን ንዓይ ቀዳምነት ክህባኒ ግዴታ ኣለወን፡ ምኽንያቱ ኣነ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ እየ ዝዝውር ዘለኹ።” ጽቡቕ ሓሳብ እካ እንተኮነ ግን ውሑስን ድዩ ዝብል ምልክት ሕቶ ኣሎ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ክትጥንቀቅ ኣለካ ማለት ዩ።
ካብ ኩሉ ኣንፈት ዝመጻ ትራፊክ ኪሰግራ ቀዳምነት ሃብ።ከተሕልፎም ወይ ቀዳምነት ከምዝሃብካዮምን ብንጹር ከተርኢ ኣሎካ ንካልኦት ተጠቀምቲ መገዲ ። ንኣብነት ኣብ ክንዲ ኣብ ውዱእ ግዜ ፍሮን ምሓዝ ኣብ ምቹእ ግዜ ልጋም ፍሮን ብምሓዝን ምዝሓልን ንካልኦት ተጠቀምቲ ጽርግያ ውሕስነት ይፈጥረሎም። ኣብዚ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ደው በል እንተዀነ ግን ናጻ መንገዲ እንተኣለካ ኵሉ ሳዕ ድው ክብል ኣየድልየካን ኢዩ።
ኣብዚ ግደታ ድው ክትብል ኣለካ። ማለት ደው ከይበልካ ምሕላፍ ገበን ዩ።ደው ንምባል ግዴታ፣ ቀስ ኢልካ ምዝዋር ኣይፍቀደልካን እዩ ምሉእ ብምሉእ ደው ክትብል ኣሎካ(መብዛሕትኡ ግዜ ሒደት ካልኢት ጥራይ እኹል ኢዩ)።ደው ክትብል ከለካ ኣብ ደው መበሊ ሕንጻጽ ደው በል ። ኣብ መስርዕ ዘለዋ መካይን ደድሕሪኣ ኽትስዕቡ እንተ ኣሊኩም ነፍሲ ወከፍ ማኪና ደው ክትብል ኣለዋ ። እታ ኣብ ቅድሚት ዘላ ማኪና ኽትዝውር ከላ ደው ከይብለካ ክትስዕባ ኣይፍቀደልካን ዩ።
ብብዙሕ ኣንፈት መገድታት ደው ምባል ዝብል እንተኮይኑ ፣ ብኵሉ እቲ ዜራኽብ መገድታት ደው ኬብል ግዴታ ኣለዎ ማለት እዩ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ግቡእ ዝዀነ ነገር ከኣ እቲ ቐዳማይ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብ እዩ መጀመርታ ወይ ቀዳምይ ይዝውር ።
ነቲ ደው ንምባል እተገብረ ግዴታ ምጥሓስ ከቢድ እዩ ። ነዚ ምጥሓስ መዘወሪ ፍቃድ ከመንጥለካ ወይ ውን ብሕጊ ከክስስካ ይክእል ዩ።
ናብታ ቐንዲ መገዲ ዝኣቱ ዘበለ ዅሉ ቀዳምነት።ኣብ ቀንዲ መገዲ ዚጐዓዙ ተሽከርከርቲ ካብ ካልኦት ኣንፈት ዚጅምረሉ ተሽከርከርቲ ቐዳምነት ዘውህቦ ምልክት ጽርግያ ኣለዎ ።እቲ ምልክት መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መስቀላዊ መገዲ ይደጋገም ዩ፣ እዚ ምልክት እንተዘይ ሃልዩ ግን ወላ ኻ ቐንዲ መገዲ ይኩን እንበር ቀዳምነት ዝወሃቦ መንገዲ ደድሕሪኡ ኸም ዝቐጸለ ንጹር ኣይኰነን።
ካብ የማን ናብ ዚመጽእ ትራፊክ ቀዳምነት ምሃብ ዚብል ካልእ ሕግታት ኣብ ዘይብሉ ቦታታት እውን ይዓዪ እዩ ። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ መስመራት መጠንቀቕታ ዚህብ ምልክት ይተኽል የማናይ ኢድ ሕጊ ኣብ ግብሪ ኺውዕል ከም ዘለዎ ኣነጺርካ ግለጽ። የማናይ ኢድ ሕጊ ኣብ መስቀላዊ መገዲ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኵሉ ቦታታት እውን ይዓዪ እዩ። ኣብ መስቀላዊ ማካይን ንሓድሕዱ ዚተኣሳሰር እዩ።