ኣጠንቀቕቲ ዝበሃሉ ቅድሚ 150 – 250 ሜትሮ ርሒቆም ዘጠንቅቑ ምልክታት ኮይኖም ፣ `’ኣብ ቅድሜኻ ገለ ነገር ስለ ዘሎ ተጠንቂቕካ ሕለፍ’ዝብል መልእኽቲ ዘለዎም እዮም ። ቅርጾም ስሉስ ኩርናዕ ፣ምድሮም ብጫ ፣ መኽፈፊኦም ቀይሕ ፣ መልእኽቶም ከኣ ብጸሊም ዝተሳእለ ምልክት እዩ።
A1a ኣብ ቅድሜካ ሓደገኛ ኩርባ ኣብ ጸጋም ኣሎ ተጠንቀቕ
A1a ኣብ ቅድሜካ ሓደገኛ ኩርባ ኣብ የማን ኣሎ ተጠንቀቕ
A2a ሓደገኛታት ኩርባታት ቀዳማይ ንጸጋም ዕጻፍ ኣሎ ተጠንቀቕ
A2a ሓደገኛታት ኩርባታት ቀዳማይ የማን ዝዕጻፍ ኣሎ ተጠንቀቕ
A3 ቁልቁለት ኣሎ ተጠንቐ
A4 ዓቐበት ኣሎ ተጠንቀቕ
B-1 ቀዳምነት ሃብኣብ መስቀላዊ ወይ ኣብ ጅራ መንገዲ ካልኦት እንተለዉ፣ ቀዳምነት ክትህቦም የገድድ። ቀዳምነት ክትህብ እምበር ግድን ደዉ ክትብል ግን
B-2 ደዉ በልናብ መስቀላዊ መንገዲ ቅድሚ ምጽንባርካ ብግዲ ደዉ ክትብል የገድድ።
B-3a መሳገሪ ኣጋርንኣጋር ቀዳምነት ክትህብ ከም ዘለካ የገድድ።
B-4 ቀንዲ መስመር (ዋና መስመር)ናብ ዋና መስመር ዝጽንበሩ ኩሎም ተሽከርከርት ቀዳምነት ክህቡ ይግደዱ።
B-5 ርእስ መስመር (ዋና መስመር) ኣብቂዑ
ክትገብሮ ዘይግባእ ዝሕብሩ ምልክታት እዮም። ከቢብ ዝቅርጾም፣ ብጫ ዝምድሮም ቀይሕ ዝመኽፈፊኦም ኮይኖም ምስሊ መልእኽቶም ብጸሊም ይስኣል። ካብ ሓደ ኩርናዕ ክሳዕ እቲ ቀጺሉ ዝርከብ ካልእ ኩርናዕ ድማ የገልግሉ።
C-2 ንተሽከርከርቲ ዝተዓጸወ
C-1ንተሽከርከርቲ ንምሕላፍ ዝተኸልከለ
C-3 ንካልኣይ ደረጃ ሞፔድ እንተ ዘይኮኑ ንኻልእ ዝተኸልከለ
C-4 ካብ ክልተ እግሪ ንላዕሊ ዘለወን ተሽከርከርቲ ዝተኸልከለ
C-5 ንሞተርሳይክል ቀዳማይ ደረጃ ሞፔድን ዝተኸልከለ
C-6 ተጎታቲ ንዘለወን ዝተኸልከለ