ናጻ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና
ኣብ መስቀላዊ መስመር
ናብ ጽጋም ምጥዋይ፣
ንጸጋም ክትጠዊ ከለኻ፡ ኣብ መስመርካ ብዝተኻእለ መጠን
ናብ ማእከል ጽርግያ (ናብቲ ንጸጋምካ ዘሎ ማእከላይ መስመር) ጽግዕ ክትብል ኣለካ።
ንጹር ምልክት ንምሃብ: ናብ ማእከል ምጽጋዕካ፡ ነቶም ድሕሬኻ ዘለዉ መራሕቲ መኪና ንጸጋም ክትጠዊ ምዃንካ ብንጹር የርእዮም። በዚ ድማ፡ ስለምንታይ ፍጥነትካ ከም ዘዝሓልካ ይርድኦም።
ንኻልእ ትራፊክ መንገዲ ንምኽፋት: ኣብ የማናይ ሸነኽካ ቦታ ስለ እትፈጥር፡ እቶም ድሕሬኻ ዘለዉን ቀጥ ኢሎም ክኸዱ ዝደልዩን ተሽከርከርቲ (ጽርግያ ስፍሓት እንተለዎ) ከይተዓገቱ ክሓልፉ ይሕግዝ።
ቅኑዕ ናይ ምጥዋይ ኩርናዕ ንምሓዝ: ናብቲ እትኣትዎ ሓድሽ ጽርግያ ብትኽክለኛን ውሑስን ኩርናዕ ንኽትኣቱ የዳልወካ
ናብ ጸጋም ክትጠዊ ከለኻ፡ ንመንገዲ ናይቶም ካብ ኣንጻርካ ዝመጹ ተሽከርከርቲ ትሰግር ኣለኻ። ስለዚ፡ ንሳቶም ክሓልፉ ፍጹም ቀዳምነት ክትህቦም ግዴታ ኣለካ። መንገዲ ባዶን ውሑስን ምዃኑ 100% ምስ ኣረጋገጽካ ጥራይ ምጥዋይካ ፈጽም።
ሓደ ኣንፈት ጽርግያ
ካብ ሓደ ኣንፈት ጽርግያ ክትወጽእ ከለካ ቅልል ዝበለ ኣቃልቦ ትራፊክ ዩ ። ስለዚ ብፊትካ ዝመጸካ ትራፊክ ስለዘየለ።
ንጸጋማይ ምጥዋይ፦ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ጸጋማይ ጫፍ ናይቲ ኮርባናን ተጸጊዕካ ትጥወ።
ንየማን ምጥዋይ: ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ጥቓ ወሰን ናይቲ የማን ጽርግያ ትጸጊዕካ ትጥወ።
ፍሉያት መስመራት
ሓባራዊ መስመራት (መስመር ኣውቶቡስ) እቶም ናይ ሓባር መስመራት እተን ኣውቶቡሳት ኣብ ሪጋ ከይተዓንቀፋን በዚ ድማ ንኽይድንጉያን ዝዓለመ እዩ። ብዘይካ ኣብ መደብ ትራፊክ ዝርከባ ኣውቶቡሳት፡ እዘን ዝስዕባ ተሽከርከርቲ መስመራት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀማ ይኽእላ እየን፡ ንኣብነት፣ታክሲ፣ ብሽክለታ፣ ሞፔድ
ተቀየያሪ ጽርግያ (Reversibelt körfält) = ኣንፈት ጽርግያ ከምኣድላይነቱ ዝቀያየር መስመር ማለት ዝግበር ኣንፈት ጉዕዞ ከም ኣድላይነቱ ክግልበጥ ይኽእል። ድሕሪ ቀትሪ ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ናብ ገዝኦም ይኸዱ እሞ ድሕሪኡ ካብ ከተማ ወጻኢ ተወሳኺ መስመር ምህላው ንሓደጋ ሪጋ ንምንካይ ግብራዊ ክኸውን ይኽእል። ኣንፈት ትራፊክ ብናይ ትራፊክ መብራህቲ ይቆጻጸር።
ሕግታት ንቕሓት(Väjningsregler)
‘’ ኣብ ትራፊክ መሰል ዝብሃል የለን ግዴታካ ጥራይ ዩ’’
ብመሰረት ትራፊክ ኣብ ናይ ኩሉ ምጥዋይ ሕግታት ኣብ ትራፊክ መሰል ዘለዎ ሰብ የለን፣ ግን እቲ እንኮ ናይ ሓባር ግዴታታት ምግባር ጥራይ ዩ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኩነታት ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣሎ፤ ንኣብነት “ ኣነ
ቀዳምነት ኣለኒ፡ ምኽንያቱ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ እየ ዝዝውር ዘለኹ።”
ኣብ ትራፊክ ንሓደ ነገር ክትከናኸን መሰል ኣለኒ ኢልካ ምሕሳብ ሓደገኛ እዩ።
“እተን ካልኦት መካይን ንዓይ ቀዳምነት ክህባኒ ግዴታ ኣለወን፡ ምኽንያቱ ኣነ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ እየ ዝዝውር ዘለኹ።” ጽቡቕ ሓሳብ እካ እንተኮነ ግን ውሑስን ድዩ ዝብል ምልክት ሕቶ ኣሎ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ክትጥንቀቅ ኣለካ ማለት ዩ።
ቀዳምነት ናይ ምሃብ ግዴታ(Väjningsplikt)
ካብ ኩሉ ኣንፈት ዝመጻ ትራፊክ ኪሰግራ ቀዳምነት ሃብ።
ከተሕልፎም ወይ ቀዳምነት ከምዝሃብካዮምን ብንጹር ከተርኢ ኣሎካ ንካልኦት ተጠቀምቲ መገዲ ። ንኣብነት ኣብ ክንዲ ኣብ ውዱእ ግዜ ፍሮን ምሓዝ ኣብ ምቹእ ግዜ ልጋም ፍሮን ብምሓዝን
ደው ንምባል ግዴታ(Stopplikt)
ኣብዚ ግደታ ድው ክትብል ኣለካ። ማለት ደው ከይበልካ ምሕላፍ ገበን ዩ።
ደው ንምባል ግዴታ፣ ቀስ ኢልካ ምዝዋር ኣይፍቀደልካን እዩ ምሉእ
ብብዙሕ ኣንፈት መገድታት ደው ምባል ዝብል እንተኮይኑ ፣ ብኵሉ እቲ ዜራኽብ መገድታት ደው ኬብል ግዴታ ኣለዎ ማለት እዩ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ግቡእ ዝዀነ ነገር ከኣ እቲ ቐዳማይ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብ እዩ መጀመርታ ወይ ቀዳምይ ይዝውር ።
ነቲ ደው ንምባል እተገብረ ግዴታ ምጥሓስ ከቢድ እዩ ። ነዚ ምጥሓስ መዘወሪ ፍቃድ ከመንጥለካ ወይ ውን ብሕጊ ከክስስካ ይክእል ዩ።
ቀዳምነት ዚወሃቦ መገድታት(Huvudled)
ናብታ ቐንዲ መገዲ ዝኣቱ ዘበለ ዅሉ ቀዳምነት።
ኣብ ቀንዲ መገዲ ዚጐዓዙ ተሽከርከርቲ ካብ ካልኦት ኣንፈት ዚጅምረሉ ተሽከርከርቲ ቐዳምነት ዘውህቦ ምልክት ጽርግያ ኣለዎ ።
እቲ ምልክት መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መስቀላዊ መገዲ ይደጋገም ዩ፣ እዚ ምልክት እንተዘይ ሃልዩ ግን ወላ ኻ ቐንዲ መገዲ ይኩን እንበር ቀዳምነት ዝወሃቦ መንገዲ ደድሕሪኡ ኸም ዝቐጸለ ንጹር ኣይኰነን።
የማናይ ሕጊ (Högerregeln)
ካብ የማን ናብ ዚመጽእ ትራፊክ ቀዳምነት ምሃብ ዚብል ካልእ ሕግታት ኣብ ዘይብሉ ቦታታት እውን ይዓዪ እዩ ። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ መስመራት


