መምርሒን ስርዓትን ምስራዝ (Avbokningspolicy)
ከፍሊት ንኸይክፈሉኻ፡ ኣብ እዋኑ ክትሰርዙ (avboka) ኣለኩም።
✅ ናይ ምዝዋር ትምህርቲ (Körlektion): እቲ ትምህርቲ ካብ ዝውሃበሉ መዓልቲ ቅድሚኡ ዘሎ መዓልቲ፡ ቅድሚ ሰዓት 13:00 (1:00 ድሕሪ ቀትሪ) ክስረዝ ኣለዎ።
✅ ናይ ቲዮሪ ትምህርቲ (ኣብ ቤት ትምህርቲ): እቲ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ እንተወሓደ 24 ሰዓታት ኣቐዲምካ ክስረዝ ኣለዎ።
✅ ሪስክ 1ን 2ን (Riskutbildning) ከምኡ’ውን ናይ ሓጋዚ መምህር ትምህርቲ (Handledarkurs): እቲ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ እንተወሓደ 36 ሰዓታት ኣቐዲምካ ክስረዝ ኣለዎ።
🔴 ደንጊጽካ ምስራዝ ወይ ከይመጻእካ ምትራፍ፡ ምሉእ ናይቲ ትምህርቲ ክፍሊት የኽፍል እዩ።
🔴 ዲጂታላዊ (ኢንተርነት) ናይ ቲዮሪ ትምህርቲ፦ ሓንሳብ ምስ ተመዝገብካዮ (ምስ ሓዝካዮ) ክስረዝ ኣይክእልን እዩ።
🔴 ናይ ገንዘብ ምላሽ (Refund): ተቀባልነት ዝረኸበ ናይ ገንዘብ ምላሽ ኣብ ውሽጢ 14 ናይ ስራሕ መዓልታት ይፍጸም።


