ቀዳምነታት ዝሕብሩ

ቀዳምነታት ዝሕብሩ

እዞም ቀዳምነት ዝሕብሩ ምልክታት ትራፊክ፣ ደዉ ክትብል ወይ ቀዳምነት ክትህብ ዘገድዱ ምልክታት እዮም።

B-1 ቀዳምነት ሃብ
ኣብ መስቀላዊ ወይ ኣብ ጅራ መንገዲ ካልኦት እንተለዉ፣ ቀዳምነት ክትህቦም የገድድ። ቀዳምነት ክትህብ እምበር ግድን ደዉ ክትብል ግን

B-2 ደዉ በል
ናብ መስቀላዊ መንገዲ ቅድሚ ምጽንባርካ ብግዲ ደዉ ክትብል የገድድ።

B-3a መሳገሪ ኣጋር
ንኣጋር ቀዳምነት ክትህብ ከም ዘለካ የገድድ።

B-4 ቀንዲ መስመር (ዋና መስመር)
ናብ ዋና መስመር ዝጽንበሩ ኩሎም ተሽከርከርት ቀዳምነት ክህቡ ይግደዱ።

B-5 ርእስ መስመር (ዋና መስመር) ኣብቂዑ

B-6 ብቕድሚት ንዝመጽእ ቀዳምነት ሃብ

B-7 ብቕድሚት ዝመጽእ ቀዳምነት ይህበካ

B-8 ንተጠቃሚ ሽግሌታ ቀዳምነት ክትህብ ከም ዘለካ የገድድ።