ከልከልቲ
ከልከልቲ
ክትገብሮ ዘይግባእ ዝሕብሩ ምልክታት እዮም። ከቢብ ዝቅርጾም፣ ብጫ ዝምድሮም ቀይሕ ዝመኽፈፊኦም ኮይኖም ምስሊ መልእኽቶም ብጸሊም ይስኣል። ካብ ሓደ ኩርናዕ ክሳዕ እቲ ቀጺሉ ዝርከብ ካልእ ኩርናዕ ድማ የገልግሉ።
C-2
ንተሽከርከርቲ ዝተዓጸወ
C-1
ንተሽከርከርቲ ንምሕላፍ ዝተኸልከለ
C-3 ንካልኣይ ደረጃ ሞፔድ እንተ ዘይኮኑ ንኻልእ ዝተኸልከለ
C-4 ካብ ክልተ እግሪ ንላዕሊ ዘለወን ተሽከርከርቲ ዝተኸልከለ
C-5 ንሞተርሳይክል ቀዳማይ ደረጃ ሞፔድን ዝተኸልከለ
C-6 ተጎታቲ ንዘለወን ዝተኸልከለ
C-7 ንኸበድቲ ናይ ጽዕነት ተሽከርከርቲ ዝተኸልከለ
C-8 ንትራክተርን ካልኣይ ደረጃ ሞተር ረድስካፕን ዝተኸልከለ
C-9 ሓደገኛ ጽዕነት ንዝተጻዕና ዝተኽልከለ
C-10 ንኻልኣይ ደረጃ ሞፔድ ዝተኸልከለ
C-12 ብእንስሳ ንዝጉተት ተሽከርካሪ ዝተኸልከለ
C-13 ብሞተር ንዝዝወር ናይ በረድ ሸተትን ስልቱን ዝተኸልከለ
C-14 ንዝጋልቡ ኣፍራስ ዝተኸልከለ
C-15 ንሰብ ብሽግለታን ካልኣይ ደረጃ ሞፔድን ዝተኸልከለ
C-16 ንኣጋር ዝተኸልከለ
C-16 ካብ ዝተጠቀሰ ዉሱን ግፍሒ ንላዕሊ ዘለወን ዝተኸልከለ
C-17 ካብ ዝተጠቀሰ ዉሱን ብራኸ ንላዕሊ ዘለወን ዝተኸልከለ
C-18 ካብ ዝተጠቀሰ ዉሱን ንዉሓት ንላዕሊ ዘለወን ዝተኸልከለ
C-19 ካብ ዝተጠቐሰ ርሕቀት ንላዕሊ ምጽጋዕ ዝተኸልከለ
C-20 ካብ ዝተጠቐሰ ክብደት ንላዕሊ ንዘለወን ዝተኸልከለ
C-21 ካብ ዝተጠቕሰ ዉሱን ጸቕጠት ክብደት ንላዕሊ ዘለወን ዝተኸልከለ
C-23 ካብ ዝተጠቕሰ ዉሱን ጸቕጠት ክብደት ንላዕሊ ዘለወን ዝተኸልከለ
C-24 ካብ ዝተጠቕሰ ዉሱን ጸቕጠት ክብደት ንላዕሊ ዘለወን ዝተኸልከለ
C-25 ንጸጋም ምጥዋይ ኣይፍቀድን
C-26 ናብ ዝነበርካዮ ተጠዊኻ ምምላስ ኣይፍቀድን
C-27 ምቕዳም ኣይፍቀድን
C-29 ናይ ጽዕነት መኪና ሒዝካ ምቕዳም ኣይፍቀድን
C-30 ክልኩል ዝነበር ኣብቂዑ ብናይ ጽዕነት መኪና ክትቅድም ትኽእል ኢካ
C-31 ካብ ዝተጠቕሰ ደረት ፍጥነት ንላዕሊ ምንሃር ኣይፍቀድን
C-33 ናይ ጉምሩክ ምጽራይ ንምግባር ደዉ በል
C-34 ኣብ ቅድሚት ብዘሎ መምርሒ መሰረት ደዉ በል
C-35 ምዕሻግ ኣይፍቀድን
C-36 ንኽልተ ብማዕረ ኣብ ዘይምቀል ዕለት፣ ምዕሻግ ኣይፍቀደን
C-37 ንኽልተ ብማዕረ ኣብ ዝምቀል ዕለት፣ ምዕሻግ ኣይፍቀደን
C-38 ኣብ ዘይተገብኤ ዕለት ምዕሻግ ኣይፍቀድን
C-39 ደዉ ምባል ይኹን ምዕሻግ ኣይፍቀድን
C-40 ንዘይምልከታ ተሸከርካሪት ደዉ ምባል ይኹን ምዕሻግ ኣይፍቀድን
C-41 ኩልኩል ዝነበረ ኣብቂዑ
C-42 ንዝምልከተን እንተ ዘይኮይኑ ምዕሻግ ኣይፍቀድን
C-44 ብጀካ ካልኣይ ደረጃ ሞፔድ ገዲፍካ ፣ ናይ እዋን በረድ ጎማ ዘለወን ካሎኦት ተሽከርከርቲ ዝተኸልከለ
C-45
ኣብዚ ሰዓታት ደዉ ኮነ ምዕሻግ ክልኩል ኢዩ
C-40 ንዘይምልከታ ተሸከርካሪት ደዉ ምባል ይኹን ምዕሻግ ኣይፍቀድን
C-41 ኩልኩል ዝነበረ ኣብቂዑ
C-42 ንዝምልከተን እንተ ዘይኮይኑ ምዕሻግ ኣይፍቀድን
C-45
ኣብዚ ሰዓታት ደዉ ኮነ ምዕሻግ ክልኩል ኢዩ
