...
Sale!

ትምህርቲ ስግኣት – ክፋል 1 (Riskettan)

Original price was: kr450.00.Current price is: kr375.00.


ትምህርቲ ሪስኬታን (Riskettan) ንኹሉ መዘወሪ ፍቓድ መኪና (B-körkort) ከውጽእ ዝደሊ ሰብ ግዴታዊ ዝኾነ ትምህርቲ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ጽርግያ ዘጋጥሙ ሓደጋታትን ስግኣታትን ንምርዳእ፡ ከምኡ’ውን እዞም ነገራት ኣብቲ ከም መዘዋሪ መኪና መጠን እትህቦ ውሳነ ከመይ ከም ዝጸልዉ ንምፍላጥ ዝሕግዝ እዩ።

ቀንዲ ነጥብታት እዚ ትምህርቲ፦

✅ ግዴታዊ እዩ፦ መዘወሪ ፍቓድ (ሊቸንሳ) ንምውጻእ እዚ ትምህርቲ እዚ ክትወስዶ ኣለካ።
✅ ናይ ቲዮሪ ትምህርቲ እዩ፦ እዚ ትምህርቲ እዚ ብጽሑፍን ብምይይጥን ዝውሃብ ኮይኑ፡ መኪና ምዝዋር (ተግባራዊ) ኣይሓውስን እዩ።
✅ ትሕዝቶ ትምህርቲ፦ ቀንዲ ቆላሕታኡ ኣብ ኣልኮል፡ ሓሽሽ (drugs)፡ ድኻም (ድቃስ ምስኣን) ከምኡ’ውን ኣብ ጽርግያ ዘጋጥሙ ሓደገኛ ጠባያት ዘተኩር እዩ።
✅ ንቕሓት የዕቢ፦ ኣብ ጽርግያ ንዘጋጥሙ ስግኣታት ብዝበለጸ ክትግንዘቦምን ንርእስኻ ክትከላኸልን ይሕግዘካ።

እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ውሑስ (ርጡብ)፡ ጥንቁቕን ሓላፍነት ዝስምዖን መዘዋሪ መኪና ንምዃን ንዝደሊ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

Category:
Wishlist Compare

መምርሒ ምስራዝ (Avbokningspolicy)

ከፍሊት ንኸይክፈሉኻ፡ ኣብ እዋኑ ክትሰርዙ (avboka) ኣለኩም።

✅ ናይ ምዝዋር ትምህርቲ (Körlektion): እቲ ትምህርቲ ካብ ዝውሃበሉ መዓልቲ ቅድሚኡ ዘሎ መዓልቲ፡ ቅድሚ ሰዓት 13:00 (1:00 ድሕሪ ቀትሪ) ክስረዝ ኣለዎ።
✅ ናይ ቲዮሪ ትምህርቲ (ኣብ ቤት ትምህርቲ): እቲ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ እንተወሓደ 24 ሰዓታት ኣቐዲምካ ክስረዝ ኣለዎ።
✅ ሪስክ 1ን 2ን (Riskutbildning) ከምኡ’ውን ናይ ሓጋዚ መምህር ትምህርቲ (Handledarkurs): እቲ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ እንተወሓደ 36 ሰዓታት ኣቐዲምካ ክስረዝ ኣለዎ።

🔴 ደንጊጽካ ምስራዝ ወይ ከይመጻእካ ምትራፍ፡ ምሉእ ናይቲ ትምህርቲ ክፍሊት የኽፍል እዩ።
🔴 ዲጂታላዊ (ኢንተርነት) ናይ ቲዮሪ ትምህርቲ፦ ሓንሳብ ምስ ተመዝገብካዮ (ምስ ሓዝካዮ) ክስረዝ ኣይክእልን እዩ።
🔴 ናይ ገንዘብ ምላሽ (Refund): ተቀባልነት ዝረኸበ ናይ ገንዘብ ምላሽ ኣብ ውሽጢ 14 ናይ ስራሕ መዓልታት ይፍጸም።

Scroll to Top
Seraphinite AcceleratorOptimized by Seraphinite Accelerator
Turns on site high speed to be attractive for people and search engines.